
ምልክታ ጨረታን ጨረታ መምርሕን
ቤት ማዘጋጃቤት ከተማ ዓድሽሁ ናይ ብስፔስፊኬሽን /ዝርዝር መጠንን ዓይነት ማተርያል/ መሰረት እቶም ዝስዕቡ ንብረት ማለት እውን ሀ-RIR ሞተር ሳይክል 180 CC ባዓል ኽልተ ጎማ ምስ ሙሉእ አክሰሰሪ አጫሪቱ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ነቲ ዝስዕብ ረቁሓታት ዝተማልኡ ተጫረትቲ ይዕድም::
ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቁሓታት ክምዝስዕብ ቀሪቡ አሎ
1. ናይቲ ዝውዳደረሉ ዘፈር ንግዲ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነት ዘለዎ/ዋ መረዳእታ ዘቅርብ
2. ሰነድ ዝሽወጠሉ ዘይምለስ ብር 500 ይኸውን
3. ናይ ቫት ዘተመዝገበን እዋናዊ ሪፖርት ዘቅርብ
4. ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ዕለት 01/03/2018 ዓ/ም ንተኸታተልቲ 10 መዓልቲ ይኸውን
5. ሰነድ ጨረታ መረከቢ ግዜ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ አብ ዘሎ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኾይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 11/03/2018ዓ/ም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ተጫረትቲ ወይ ኸዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብዘለዉሉ ይኽፈት
6. ጨረታ መኽበሪ ነቶም አብ ዝሳተፉ ነጋዶ ብር 4000 /አርባዕተ ሽሕ /ብጥረ ገንዘብ ወይ ኸዓ ዝተረጋገፀ ናይ ባንኪ ሲ ፒ ኦ ቅድሚ ጨረታ ንምኽፋቱ ናብቲ ጨረታ ሳንዱቅ ከእቲ አለዎ/ዋ
7. አብ ጨረታ ሰነድ አብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተጫራታይ ሕጋዊ ማህተም ክዓርፍ አለዎ
8. ሰዓራይ ነቲ ንብረት ናብ ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ነቲ ንብረት ፅርየቱ አረጋጊፁ ናይ ምርካብ ግቡእ አለዎ
9. ሰዓራይ ምስተፈለየ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ውዕሊ መኽበሪ ብስፒኦ ከትሕዝ አለዎ
10. ተጨራታይ ሰዓራይ ምኻኑ ክብዘተገለፀሉ አብ ውሽጢ 10 ማዓልቲ እቲ ንብረት አታዊ ክገብር አለዎ ንብረት በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት አታዊ እንተዘይገይሩ ግን ዘድሓዞ ጨረታ መኽበሪ ናብ ማዘጋጃቤትና እታዊ ብምግባር ሕጊ ፋይናንስ መሰረት ስጉምቲ ይውሰደሉ
11. ኣብዚ ጨረታ ዝኾነ አካል ኾነ ኢሉ ነቲ ጨረታ ዘዛብዕ ወይ ኸዓ ክዛባዕ ዝሙክር ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ብአዋጅ ዕደጋ ብሄ/ክ/ም/ት ቁፅሪ 255/2007ን ብዝእዝዞ መሰረት ናብ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታታይ ይኸውን ዝተመሓየሽ መምርሒ ስርዓት ዕደጋ ጊዜያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ቑፅሪ 5/2016 አብዚ ምልክታ ዘይተጠቀሱ ናይ ሸያጣይን ዓዳጋይን ግቡእን መሰልን አብቲ መምርሒን አዋጅን ዝተጠቀሱ ተፈፃሚ ይኾኑ
12. እቲ ቤት ማዘጋጃቤት ነተ ዝገዝኦ መጠን ቁፅሪ ምስ ዝርቀብ ዋጋ በጀቱ ማእኸል በመግባር ክውስኽን ክቅንስን ከምዝኽእል ብተወሳኺ እውን ዝሐሸ አማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ
13. ድሕሪ ጨረታ ምኽፋት አብ ሰነድ ዝቀርብ መብርሂ ተቀባልነት የብሉን
14. አብ ጨረታ ሰነድ መሙልኢ ዝትጠቀሱ ግቡአት ተጫረትቲ ናይ ምኽባር ግቡእን መሰልን አለዎም
15. እቲ ቤት ማዘጋጃቤት እቶም ዝቀርቡ ንብረት ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ አርጅናል ምኻኑ ብምርግጋፅ ናይ ምርካብ ግቡእን መሰልነ አለዎ
16. አብ መኪና ዝወፀ ጨረታ እቲ ዝቀረበ ንብረት ናብታ አብ ላዕሊ ዝተጠቀሰት መኪና ዘይገጥም እንድሕረ ኾይኑ ነቲ ንብረት ናይ ምቅያር ሓላፍነት ናይ ተጫራታይ ይኸውን
17. ናይ ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት ዝሐሸ አመራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
18. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914132879/0945106017/0914721515/ ምሕታት ይከአል
ዓድሽሁ ማዘጋጃ ቤት