https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18370
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ-ከተማ ዓይደር ንመዘናገዒ ማሕበር መናእሰይ ክፍለ-ከተማ ዓይደር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መናእሰይ መዘናገዒ ኣቕሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲርና ክንገዝእ ስለዝደለና
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 26, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 5, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 5, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ-ከተማ ዓይደር ንመዘናገዒ ማሕበር መናእሰይ ክፍለ-ከተማ ዓይደር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መናእሰይ መዘናገዒ ኣቕሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲርና ክንገዝእ ስለዝደለና ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እንተማልኡ ተጫረቲ ክትውዳደሩ ንዕድም

1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ሰርቲፊኬትን፣ ቲን// ቁፅሪ ዘቅርብን መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎን ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ 26/02/2018 ዓ/ም ክሳብ 05/03/2018 ዓ/ም ዘይምለስ 100 ብር ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምውሳድ ይክአል

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕር ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት ተዘይሃልዮም ዉን ኣብ ወሽጢ ሳንዱቕ ዝተረኸበ ፖስታ ይክፈትን ይግምግምን ፡

4. ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ካብ ባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ/ብሲፒኦ /ጥር ገንዘብ ከትሕዝ ይኽእል።

5. ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒን ዝተዓሸገ ፖስታ የቅርብ!!

6. ሰዓራይ ምስዓሩ ምስፈለጠ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ውዕሊ ይአስር ።

7. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝትሓለወ እዩ።

8. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖር ናብ ቤት ፅሕፈትና የቅርብ።

9. ኣድራሻና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሐተዋይ በሪ ፡፡

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914096890 ደዊልካ ምሕታት ይከአል፡፡