https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18369
ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ኣቁሑት ማለት እዉን ምድብ-1 /LOT- 1/ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት /Spare Parts/ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ካብ መደበኛ በጀት ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 26, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 10, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 10, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ቁፅሪ: ግ/ጨ-15-01/18

ዕለት:26/02/2018 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፀሪ 01/2018

ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ኣቁሑት ማለት እዉን ምድብ-1 /LOT- 1/ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት /Spare Parts/ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ካብ መደበኛ በጀት ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሕታት እንተነኣሰ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ተጫረቲ መምርሒ ክተማልኡ ይግባእ።

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ II ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል።

3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

4. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕል ኣሲሩ ብዉዕሉ መሰረት ናብ ኤጀንስና ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፣

5. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ምድብ-1 / OT-1/ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ እናኸፈሉ ካብ ናይ ኤጀንስና ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 1-06 /ደጀን ቢሮ/ ካብ ዕለት 26/02/2018 ዓ/ም ክሳብ 10/03/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኢኹም ክትወዳደሩ ትኽእሉ፣

6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ምድብ-1 /OT-1/ 4,000.00 ቅርሺ (ኣርባዕተ ሽሕ ብር) ብሽም ኤጀንስና ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ /Tigray Digital Agency / ብCPO ወይ ድማ ብጥረ- ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣

7. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ወይ ብመረጋገፂ ጋራዥ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን፡፡

8. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ግልፂ ጨረታ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 60 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን፡፡

9. እቲ ጨረታ ዕለት 10/03/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፣ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 1-06 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

10. ኤጀንስና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይቲ ንብረት መጠን ዋጋ ክሳብ 20% ክቕንስ /ክውስኽ/ ይክእል እዩ።

ሓበሬታ፡-ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል