https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18307
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሓ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 21, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሓ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ትካላት በዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቑሓታት መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቓድ፡ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/TN ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፤

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ጨረታ መኽበሪ ካብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

3. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 21/2/18 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200/ ክልተ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4. ናይ ጨረታ መኽበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2 ዝተገ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፤

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፈልጥ ይግባእ፤

6. ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ጨረታ ተባሂ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 21/2/2018 ዓ.ም እስካብ 28/2/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤

7. ጨረታ ዕለት 28/2/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት ፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ እስካብ ዝተረጋገፀ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝኸፈት ይኸውን፤

8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና (unconditional performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

9. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 5 ተኸታተልቲ መዓልትታ ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕድርን ቀሪቡ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፤

10. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕሊ ዘይኣሰረ ሰዓሪ ጨረታ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፍለጥ ይግባእ፤

11. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፤

12. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተተደልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይካኣል እዩ፡፡