https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18297
ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ንተምሃሮን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ግልጋሎት ዝዉዕል New Electrical Pickup Vehicle ( ሓዳሽ ኤሌክትሪካል ፒክ ኣፕ መኪና) ኣሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 20, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕድጊት መኪና/

ን4ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ።

በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ግልጋሎት ዝዉዕል New Electrical Pickup Vehicle ( ሓዳሽ ኤሌክትሪካል ፒክ ኣፕ መኪና) ኣሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ተጫረቲ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/02/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል ብምምፃእ ክትወስዱ

ትኽእሉምዃንኩም።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 28/02/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ይኸፈት ::