https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18273
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ኣብ 2018 ዓም በጀት ዓመት ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ጎማ ካብ ዋን ወሽ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ንምግዛእ ከምእዉን ኣብ ዳማሪያም ዝረከባ ዝዉገዳ መካይንን ሞተር ሳይክልን ሸይጡ ኮምሽን ክክፈል ዝክልእ ትካል ብምድብ አወዳዲሩ ክህብ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 19, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 2, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000 ቅርሺ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 2, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ማርኬትንግን ፕሮሞሽን ግልጋሎት/

ምድብ ሐደ ናይ መኪና መለዋወጢ ጎማ : ምድብ ክልተ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ምድብ ሰለሰተ መካይንን ሞተር ሳይክልን ምዉጋድ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርተፊኬት ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ መስከረም 2018 ዓም VAT ድክለሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር ናይ መኪና መለዋወጢ ጎማ : ምድብ ክልተ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት መቅረባይነት ዝተመዝገበን ምካኑን ናይ ዘመኑ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀትን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራቲ ናይ መኪና መለዋወጢ ጎማ : ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ክቅርብ ዝክእል ናይ መካይንን ሞተር ሳይክልን ምዉጋድ ድማ ዓመታዊ ዉዕሊ ብምእሳር ሸይጡ ገንዘብ ኣታዊ ከገብር ዝክእል ከወገድ ካብ ዝተፈቀደሉ መንግስታዊ ኣካል ድጋፍ ዝተዉሃቦን ቅድሚ ሕዚ ዘወግድ ምንባሩ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ መወዳደሪ ደከሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሽን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክክዉን ይግባእ

7 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ምድብ ሐደ ምድብ ክልተ ምድብ ሰለሰተን ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታትን ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ናብ ሒሳብ ቁፅሪ 539031663 እና ከፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምም/ር ንብረት ቢሮ ቁፅሪ 2 17/2/2018 ዓም ክሳብ 1/3/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክኣል

8 ተጫራቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ናይ መኪና መለዋወጢ ጎማን ኤሌክትሮኒክስን ብር 10000 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ፋይናንስ ምትሕሕባር ሃፍትን / Bureau of finance & Resource Coordination /ብስፒኦ ወይ ሰርትፊይድ ቼክ ወይ ኣንኮንድሽናል ባንኪ ጋራንቲ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅድሚ ምከፋቱ ከቅርብ ዝክእል

9 አዚ ጨረታ ዕለት 2/3/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባርን ሃፍቲ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ ካብ 2 ክሳብ 19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት

10 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪ ብሙለእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 % ክቅንስን / ክዉስን/ ይክእል እዩ

13 ሰዓራይ እቲ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ማለት እዉን ጎማ ብኤንስፒክተር ተሽከርከርቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ድማ ብባዕል ሞያ ኣይቲ ተፈቲሹ ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ዝገብር ይከዉን

14 መካይንን ሞተር ሳይክልን ምዉጋድ ድማ ካብ ዝተሐተ ዋጋ ዝቀረብ ሰዓራይ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914775963 0914136662