https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18269
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ኣብ 2018 ዓም በጀት ዓመት ንኣበየተ ፅሕፈት ከተማ ዉቅሮ ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 19, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 3, 2018 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ፅሕፈት 15000 : ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 10000 ቅርሺ
  • ቦታ:ዉቅሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 3, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ተጫረቲ ናይ እተወዳደርሉ ዘፍር ንግድ አብ ወሽጢ ፖስታኩም ዝተሐደሰ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ : መቅረባይነት ካርድን : መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ :ተመዝጋቢ ተወሳኪ እስታ ታክስ ምስክር ወረቀት ተመዝገበቲ መረደእታ ቅዳሕ አታሒዞም ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝግበቲ ኮይኖም ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ዲከለሪሽን ዝግበረሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን ወይድማ ብፊዲራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዘዳለወ መርበብ ሐበሬታ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ኣብ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፊርማ ኣድራሻን ሕጋዊ ማህተምን ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ክዓርፎ ይግባእ

4 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን

5 ብተወሳኪ ድማ ተወዳደርቲ ኣብ ነብስወከፍ ገፅ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዋጋ ሐዊሶም ብጥንቃቀ ትክክለኛ ብነፀላ ዋጋ ከቀምጡ አለዎም

6 ተጫረቲ በቢዝምልከቶም ዘፈር መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ባንኪ ዝተረጋገፀ መዘአዘዚ ክፍሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዙ ይግባእ

7 መሳርሒ ፅሕፈት 15000 : ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 10000 ቅርሺ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 4 ዘይምለስ 500 ቅርሺ ጥራሕ ብምክፋል እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 18/2/2018 ዓም ክሳብ 3/1/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ክወስዱ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ 3/1/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከለቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት እንተዘይሃለዉ እዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከረክቡ ዝክእሉ

10 ሰዓራይ ዘቅርብ ንብረት ብኦርጅናል ማለት ብዋኑ ምካኑ ክፍለጥ አለዎ 

11 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ማለት እዉን ናይ ፕሪንት ቀለማት ናይ ሽድሽተ ወርሒ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል

12 ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ዋና ንበይኑ ቅዳሕ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ አለዎም

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0922883981