https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18254
ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓዲጉደም ናይ ኤሌክትሪክ ኬብል(ገመድ)ን ቁርፅራፅ ሓፂንን ዘገልገለ ትቦን ብግልፂ ጨረታ ክሸጥ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 17, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 2, 2018 06:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6000
  • ቦታ:ዓዲ ጉዶም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 2, 2018 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ቑፅሪ ዓ/ማ/ግ/2£/2018 ዓ/ም

ቅ/ዋኦ/ጨ/001

ዕለት 12 /2018 ዓ/ም

ምልክታ ናይ መብራህቲ ኬብል(ገመድ)ግልፂ ጨረታ ይምልከት

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓዲጉደም ናይ ኤሌክትሪክ ኬብል(ገመድ)ን ቁርፅራፅ ሓፂንን ዘገልገለ ትቦን ብግልፂ ጨረታ ክሸጥ ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩም ንክሳተፉ ይዕድም፡፡

ተጫረትቲ ከማልኡዋም ዝግበእ ረቃሒ

1. ንቤት ዕዩና (ትካልና) ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን መረጋገፂ ምስክር ወረቐት ዘለዎም

2. መለለይ ግብሪ ከፋላይነት (TIN NO)ን ካልኦት ንጨረታ ዝጠቕሙ መረዳእታት ምስ ዋና ዝተገናዘቡ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል

3. ኣብ ዓዲ ጉደም ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲ ጉደም ምኻኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ

4. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 04 ካብ ዕለት 17/02/2018 ዓ.ም ክሳብ 02/03/2018 ዓ/ም ግዜ ኣብ

ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ) ከፊሎም ምውሳድ ይኽእሉ

5. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሓፈሻዊ ብምምላእ ብዝግባእ ኣብ ዝተዓሸገ ፓስታ ዋና ዝሓዘ ፖስታ ድማ ናይ ተጫረትቲ ስም ፣ አድራሻ፣ፊርማ፣ኦርጂናል ተባሂሉ ተፃሒፍሉን ማህተም ዓሪፍዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዓዲ ጉደም ቢሮ ቁፅሪ 04ዝተዳለወ ሳፁን( ሳንዱቅ) ከእትው ኣለዎም፡፡

➢ CPO ወይ ጥረ ገንዘብ ብር 6,000 (ሽዱሽተ ሽሕ ብር) ጨረታ መክበረይ ክትሕዝ ኣለዎ

6. እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዓዲ ጉደም ቢሮ ቁፅሪ 04 ዕለት 02/03/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 6፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8፡30ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት ፡ ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

7. ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ምስ ሰላምታ


ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓዲ ጉደም