https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18252
ትሕዝቶ ምምሕያሽን ግዜ ምንዋሕን ትካልና ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወለቅ ማሕበር ኣብ ከተማ ዉቅሮ ኣብርሃ ወኣፅባሃ ነበለት ፈላፍል ማይቅነጣል መንገዲ ፕሮጀክት ሎት ሐደ መንገዲ ነበላት ፈላፍል ማይ ቅነጣል ሎት ክልተ ዉቅሮ ነበለት መንገዲ ፕሮጀክትን ናይ ሮድ ማርኪንግ ስራሕቲን ብነኡስ ስራሕ ተቆራፂ ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ ከምዘጋወሐ ይፍለጥ እዩ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰንበት ጥቅምቲ 16, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 4, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሕዳር 4, 2018 04:01 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መንገዲን ድልድልን ስራሕቲን/

ይኩን እምበር ከምዝስዕብ እቲ ናይ ጨረታ ትሕዝቶ ክምዝተማሐየሸን ግዜ ክምዝተናወሐን ክነፍልጥ ንፈቱ

1 ኣብ ሰነድ ጨረታ መምርሒ 1.3 ከምዝ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ይማሐየሽ

ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዋጋን ቴክኒካልን ፕሮፖዛልን ክሳብ ዕለት 4/3/2018 ዓም ሰዓት 400 ቅድሚ ቀትሪ ክተቅርቡ ይግባእ

2 ኣብ ሰነድ ጨረታ መምርሒ ንተጫረቲ 1.5 ከምዝ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ይማሐየሽ

ተጫረቲ ኣብ ፕሮጀክታት መንገዲ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ማለት እዉን ስራሕቲ ሮድ ማርክ ዝዛዘሙ ክኮኑ አለዎም

3 ኣብ ሰነድ ጨረታ መምርሒ ንተጫረቲ 1.6 ከምዝ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ይማሐየሽ

ቴክኒካል ፕሮፖዛል ዕለት 4/3/2018 ዓም ሰዓት 400 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ኮይኑ እቲ ፋይናንሻል ማላት እዉን ዋጋ ድሕሪ ቴክኒካል ግምገማ ንዘማልኡ ተጫረቲ ጥራሕ ኣብ ነፍልጠኩም ዕለት ይክፈት

4 ኣብ ሰነድ ጨረታ ቴክኒካዊ መዓቀኒታትን አሰራርሓ ዉዕሊ ምሃብን ቴክኒካዊ መዓቀኒታት ተራ ቁፅሪ 2 ቴክኒካዊ ብቅዓት ልምድ ተጫራታይ ተራ ቁፅረ 2.1 ከምዝ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ይማሐየሽ

ተጫረቲ ኣብ ፕሮጀክትታት መንገዲ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ማለት እዉን ስራሕቲ ሮድ ማርኪንግ ዝዛዘሙ ክኮኑ አለዎም

5 ካልኦት ክፋላት ናይቲ ጨረታ ሰነዳት ከይተቀየሩ ይቅፅሉ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0925433509 0922343559 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል