https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18248
ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣብይቲ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ዕዩ አገልግሎት ዝዉዕል ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ማለት እዉን ስፔር ፓርት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድድ አለዎ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 15, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ናይ 2017 ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ተወሳኪ እሴት ታክስን ማለት እዉን ቫት ምምዝጋቦም ዘረጋግፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ናይ ወርሒ ነሐሰ 2017 ዓም ወርሓዊ ድክላሪሽን ዘርኢ መረዳአታ መረጋገፂ ከቅርብ ዝክእልን

3 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ተ ናምበር ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረጋገፂ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 14/2/2018 ዓም ካብቲ ኤጀንሲ ቢሮ ቁፅሪ 22 ምርካብ ይክእሉ

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና 15000 ቅድሚ ጨረታ ምካፈቱ ብስፒኦ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከቅርቡ አለዎም

7 እቲ ጨረታ ካብ 14/2/2018 ዓም ክሳብ 28/2/2018 ዓም ኣብቲ ናይ መወዳእታ 28/2/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ሕጋዊ ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ክክፈት እዩ

8 እቲ ቤት ኤጀንሲ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344418512 0914778288 0953023396