https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18246
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንተምሃሮ ቤት ፅሕፈት ዝውዕል ፍርናሽን ካልኦት አቅሑትን ብጨረታ ከወዳድር ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 14, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 24, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 24, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፍርናሽ ትርኣስን ተዛመድትን /

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንተምሃሮ ቤት ፅሕፈት ዝውዕል ፍርናሽን ካልኦት አቅሑትን ብጨረታ ከወዳድር ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ(CPO) ብር 15,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልእዎ ዋጋ መክበሪ ውዕሊ ብምቅራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 435 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት24/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡