https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18229
ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናስን ንብረት ምም/ርን ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረታት ከም ኤሌክትሮኒክስ፤ሐፂነ መፂን ፤ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑ ፤ናይ ቢሮ ኣቁሑትን ብሓራጅ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 13, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 22, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ጥቅምቲ 22, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ምልክታ ሓራጅ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናስን ንብረት ምም/ርን ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረታት ከም ኤሌክትሮኒክስ፤ሐፂነ መፂን ፤ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑ ፤ናይ ቢሮ ኣቁሑትን ብሓራጅ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ኣብ ስራሕ ዝተዋፈርኩም ትካላት ንምዕዳግን ንምውድዳርን ድልየት ዘለኩም ብኣካል መፂኹም ብምርኣይ ኣብቲ ዝተቐመጠ ናይ ጨረታ ዕለት ተሳተፍቲ ክትኾኑ ይዕድም። ክማላኡን ክፍለጥዎ ዘለዎም

➢ ዝሽየጥ ሓፂን ብኪሎ ስለ ዝኾነ ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ናይ ሓደ ኪሎ ክኸውን ኣለዎ

➢ ዝስዓረ ተጫረቲ ሚዛን ባዕሉ የምፅእ

➢ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100 ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል።

➢ ምልክታ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 13/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/02/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ስዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ከምትኽእሉ ብምሕባር ጨረታ ዕለት 22/02/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3፤30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 22/02/2018 ዓ/ም ስዓት 4፤00 ኣብ ዋና ኦዲተር / ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት ።

➢ ተወዳደርቲ ስዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅልኩም ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ብናይ ባዕሉኹም ወፃኢ ኣብ ሓፂር ግዜ ከልዕል ዝኽእል።

➢ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ብር 5000.00 ብሲፒኦ /ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

➢ ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ ኣድራሻ ፤- ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ብድሕሪ ዞባ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ- 0930096225/0914006478- ምድዋል ይከኣል።