
ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ መለለይ መንነት ሰራሕተኛታት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማለኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
1. ተጫረቲ ናይ መቅረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ~ ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፡ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኸእሉ፣
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።
3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 10/02/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2* ዘተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
6. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ /ስምዒ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 10/02/20 ዓ.ም እስካብ ዕለት 25/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣
7. ጨረታ ዕለት 25/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ
8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፣
9. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 5' መዓልቲ ዘለው 5' ተኸታታሊ መዓልትታት ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር ይግባእ።
10. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
11. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
12. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ።
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ