https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18146
ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ንቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ማይ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 6, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 24, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ዓዲ ጉዶም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 24, 2018 03:35 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመን ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ናምበር ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

3 መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ሕጋዊ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

4 ቫት ተመዝጋቢን ናይ ወርሒ ዲክለር ዝገብርን ተጫራቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐዉስ ክከዉን ይግባእ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሕቶ መብርሂ ወይ ወይ መማሐየሺ ቅድሚ ምዕፃዉ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ሰለሰተ መዓልቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ብፅሑፍ ምቅራብ ዝክእሉ ምካኖም

6 ነቲ ጨረታ ብዝኮነ ምክንያት ንምዝባዕ ዝፈተነ ወይ ንምድላል ኣብ ጨረታ ንምጭብርባር ዝሞከረ ወይ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ዝፈፀም ካብ ጨረታ ወፃኢ ተገየሩ ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ተወሪሱ ብናይ ኢትዩጰያ ሕጊ መምርሒ ዝዳነ ምካኑ

7 ተጫረቲ ዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ካብ ዕለት 3/2/2018 ዓም ክሳብ 21/3/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት በኣካል ብምቅራብ 200 ብር እናከፈሉ ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 24/2/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 330 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ሰዓት ንሱ ቅደሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ዝክፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ዝተኣጎጎል ኣይኮነን

9 ነብስ ወከፈ ተጫረቲ ነቲ ጨረታ ዝተዳለወ መምርሒ ናይ ግልጋሎት ዝርዝር መግለፅን ብጥንቃቅ ብምንባብ ብምርዳእን ዋጎም ብትክክል መሊኦም ከቅርቡ ይግባእ

10 ተጫረቲ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ብር 50000 ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብስፒኦ ናብ ቤት ዕዩና ጨረታ ሳነዱቅ ወይድማ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ ከቅርቡ አለዎም

11 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪ ዝሰዓሮ ኦርደርን ዉዕልን ካብ አሰረሉ ሰዓት ጀሚሩ ኣበ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ስቶር በቲ ዝተሐተተ ናይ ንብረት ፅሬት ብባዕል ሞያ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ይከዉን

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0934824000 0914701770