https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18134
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ (ዴስክ፣ ጠረጴዛ፣ ወንበርን ፀሊም ሰሌዳን) ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ከጓዓዕዝ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 5, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 12, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 12, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ (ዴስክ፣ ጠረጴዛ፣ ወንበርን ፀሊም ሰሌዳን) ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ከጓዓዕዝ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ (እንተኾይኖም) ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ቅብሊት (ደረሰኝ) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ መፀዋዕታ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ውዕሊ ብምእሳር ክፅዕን ዝኸእል፡፡ መፀዋዕታ ተገይርሉ ብእዋኑ ክቐርብ ዘይኸእል ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ትካልና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፣ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፤

10. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቑፅሪ 430 ብር 100.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፣

11. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

12. እዚ ጨረታ ዕለት 12/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡