https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18048
ኮሌጅ ፖሊ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ናይ ኤሌትሮኒክስ መሳረሒ ዉሱን ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ንተወዳደሪ ይዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 26, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 4, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 4, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ቁፅሪዕ/ፋ/ን/ም/ር/9264/18 

ዕለት26/01/18ዓ/ም

ውሱን ጨረታ

ኮሌጅ ፖሊ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ናይ ኤሌትሮኒክስ መሳረሒ ዉሱን ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ንተወዳደሪ ይዕድም፡፡

ኣብዚ ጨረታ ከሳተፍ (ክዋዳደር) ዝደሊ ተወዳደሪ መቅረባይ

➢ ምስ ዘቕርቦ ኣቅሓ ዝተተሓሐዘን ብተመሳሳሊ/ ናይ 2017 ዓ/ም ወይ ናይ 2018 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል፡፡

➢ ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ/at ተመዝጋቢ ምኻኑን ክቕርብ ዝኽእል፡፡

➢ ዲክለራሽን መረዳእታ ክቕርብ ዝኽእልሽምን ፊርማን ማሕተምን ክግበር ኣለዎ፡፡

➢ ንግብሪ ከፈልቲ ዝተውሃበ መለለይ ቁፅሪ/ መረዳእታ ክቕርብ ዝኽእል፡፡

➢ ስፐስፊኬሽን ክቅይር ዘይክእል ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ዘይንቅበል ምኻንና ነፍሊጥ፡፡

➢ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ ዝፍፅምዎም ዕደጋታት ንምክፋል ኣብ ዝርዝር መቅረብትን ውሃብቲ ግልጋሎትን ዝተመዝገበ ምዃኑ መረዳእታ ኣብ ሕድሕድ ስፐሲፊኬሽን ማህተም ገይሩ ክቕርብ ዝኽእል፡፡

➢ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ንጨረታ መክበርን ኤሌትሮኒክስ መሳርሒ 10000 ብር ስ.ፒ.ኦ ከትሕዝ ዝክእል፡፡

➢ ስዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝስዓሮ ኣቅሓ ዋጋ 10% ውዕሊ መክበሪ ኣትሒዙ ኣብ 3" መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣቅሑት /ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፡፡

➢ ካብ ዕለት 26/01/2018ዓ/ም ጀሚሩ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 300 ኸፊሉ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንሰ ንብረትን ምምሕዳር ብምውሳድ ዝተወዳደረለ ዋጋ መሊኡ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኦርጂናልን ኮፒን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ ዕለት 04/02/2018 ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፡፡

➢ ጨረታ ዕለት 04/02/2018 ዓ/ም ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ ስዓት 4፡30 ይኽፈት

➢ ጨረታ እንትኸፈት ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ እንትርከብ ይምረፅ፡፡

እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡ ❖ ኣድራሻ ዕዳጋ ቀዳም ከይበፃሕኻ ኢፍ ካፌ ንምዕራብ ገፅ ተዓፅፍካ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-87-55