
1 ናይ 2017 ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን : ናይ መወደእታ ወርሒተወሳኪ እሴት ታክስ ሪፖርት ከምእዉን መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን : ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ መቅረባይነት ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ብቢሮ መንገድን ትራንስፖርትን ወይ ብቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጎዓዝያ ከተማ መቀለ ብቅዓት ደረጃ ሳልሳይ ካብኡ ንላዕሊን ዝወሰዱን ናይ 2017ን 2018 ዓም ዝሐደሱን
3 መከበሪ ጨረታ ፅገና መካይን ጋራጅ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 150 ቅርሺ በምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ ዳይሪክቶሪት ዕድጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 8 ካብ 23/1/2018 ዓም ክስብ 7/2/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ግዜ መፂእኩም ምዕድጋን ናብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ምእታዉን ትክእሉ
5 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝከፈተሉን ዕለት 7/2/2018 ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት
6 ቤት ፅሕፈትና ከምኣድላይነቱ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምንካይ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
7 ኣብዚ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኮነ ተጫረቲ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ኣትሒዙን ዉዕሊ ዝአሰር ዝተማለአ ቁፅሪ ናይ ቴክኒክ ባዕለ ሞያን ማሽናትን ዘለዎ ናይ ባዕሉ ኤሌክትሪካል ቦዲማን መፈተሺ ጎድጎድን ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ቴክኒካል መዓቀኒታት ዘማለአን
8 ቴክኒካል 80 ሚእታዊ ዝዕቀን ኮይኑ ካብዚ ዝሓለፉ ድማ ፋይናንሻል ካብ 20 ሚእታዊ ይረኣየሎም ካብዚ ናይ ክልቲኦም ድምር ሰዓራይ ይፍለ
8 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓለቲ ይከዉን
9 ዝቀረባ ሰነድ ጨረታ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነንበይኑ ዝሐዘ ፖስታ ዝተዓሸገ ሐዶ ኣርጅናል ኮይኑ ኣብ ኩሉ ገፅ ናይቲ ትካል ማህተም ዝዓረፎን ነንሕድሕዱ ኮፒን ዘቅርብ
10 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ ቤት ፅሕፈትና ዝርከበሉ መዕዶ ኣጋኣዚ ባንኪ ጎኒ ዘየርዳኖስ ሆቴል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344409343 0914734003 0914766550