https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18040
ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንከተምኢ አገልግሎት ዝዉዕሉ ሎት ክልተ ባዶ ክልተ ባዶ ሰለሰተ ባዶ ኣርባዓተ ሎት ሐደ ድማ ቀበሌ ባዶ ሐደ ባኣዶ ሓሙሽተ ባዶ ሽድሽተ ደረቀ ጎሓፍ ምእካብን ምጎዓዓዝን ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከረክብ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 24, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 5, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:2000
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 5, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬትን ኣገልግሎት/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም በቲ ዘፍር ናይ ከተማ ደረቅ ጎሓፍ አገልግሎት ፅሬት ስራሕ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቁፅሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 በተቲ ዘፈር ደረቅ ጎሓፍ አገልግሎት ፅሬት ስራሕቲ ናይ ዘመኑ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሐምለ ሒሳብ ዘፍለጥቅመሉ መረዳእታ ማለት ዲክለሪሽን ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መግለፂ ብርኪ ስራሕ ወረቀት ምስክር ናይ ደኣንት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ክሳብ 5/2/2018 ዓም ሰዓት 11:00 ጥራሕ ዘይምለስ 2000 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራትን ከይዲ ስራሕ ትልምን በጃትን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 102 ምዉሳድ ትክእሉ

7 መከበሪ ጨረታ ናይ 020304 ቀበሌታት ደረቅ ጉሓፍ ምእካብን ምጎዕዓዝን ሎት ሐደ 5000 ቅርሺ : ቀበሌታት 010506 ደረቅ ጉሓፍ ምእካብን ምጎዕዓዝን 5000 ቅርሺ ጥራሕ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ብም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ንበይኑ ኣብ ፖስታ ተዓሸጉ ኣብ ዓብይ ፖስታ ኣትዩ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል

9 ናይ ቀበሌታት 010506 ደረቅ ጉሓፍ ምእካብን ምጉዕዓዝን ምድብ ሐደ ጉሓፍ ዝፅዕና ክልተ መኪና 15 ሜት ኩዩብን ልዕሊኡን መጠን ትሕዝቶ ዘለዎን ሲኖ ትራክ መኪና ወይ ድማ ካሊኢ ዓይነት ተሽከርካሪ ከቅርብ ዝክእል

10 ናይ 020304 ቀበሌታት ጉሓፍ ምእካብን ምጉዕዓዝን ምድብ ክልተ ጉሓ ዝፅዕና ክልተ መኪና 15 ሜት ኩዩብን ልዕሊኡን መጠን ትሕዝቶ ዘለዎን ሲኖ ትራክ መኪና ወይ ካሊኢ ዓይነት ተሽከርካሪ ከቅርብ ዝክእል

11 ሰንዱቅ ጨረታ 5/2/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

12 ዝምላእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ክከዉን ይግባእ

13 ኣብቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ ቫቱ ከምዝተመለአ ኣብ ግምት ይኣትዉ

14 ኣብ ቴክኒክ ጨረታ ካብ ዝሐለፉ ተጫረቲ ፋይናንሻል ጨረታ ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ተጫራታይ ሰዓራይ ይከዉን

15 ሰዓራይ ተጫራታይ ምስ ቤት ፅሕፈት ዉዕሊኣብ ዝአሰረሉ ግዘ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ካብ ጠቅላለ ናይቲ ዉዕሊ ዋጋ ንኣፈፃፅማ 5 ሚእታዊ ዉዕሊ ዉሕስና ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል

16 ብምክኒያት ሕፅረት ነዳዲ አገልግሎት ምጎልእላእ ከይፍጠር ብናይ ባዕሉ ተጠባባቂ አማለሊኡ ነቲ ዘሸነፎ ዝርዝር ዓይነት ሰራሕ ክሰርሕ ዝክእል

17 ኣብ ከተማና ቤት ፅሕፈት ከፊቱ ናይ ከተማ ደረቅ ጎሓፍ ፅሬት ስራሕቲ አገልግሎት ክህብ ዝክእልን ዉዕሊ ሰዓራይ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7 ተከታታሊ መዓልቲታት ስርሑ ክሰርሕ ዝክእል

18 ተወዳዳሪ ናይ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅደሕን በበይኑ ዓሺጉ ብሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ዝክእል ካብዚ ዋፃኢ ንዝቀርብ

ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693 0979529106