https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18039
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ሽረ እንዳስላሴ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬት :ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ :ኣቅሑት ፈርኒቸር :ናይ መኪና ስፔር ፓርት: ናይ ሳይክል እስፔር ፓርት : ናይ ዝተፈላለዩ ሞተር ሳይክል ስፔር ፓርት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 30, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 13, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ፅሕፈት መሳርሒ 30000 ቅርሺ ፡ ኣቅሑት ፅሬት 5000 ቅርሺ ፡ ኣቀሑት ኤሌክትሮኒክስ 30000 ፡ ናይ ፈርኒቸር 15000 ቅርሺ ፡ ናይ መኪና ስፔር ፓርት 15000 ቅርሺ ፡ ናይ ሳይክል ስፔር ፓርት 5000 ቅርሺ ፡ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ፓርት 30000 ቅረሺ
  • ቦታ:ሽረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 13, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሳይክል/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  • ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይ 2017ን 2018 ዓም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቲን ናምበር ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ናይ 2017 ን 2018 ዓም ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ከቅርብ ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዋጋ ሐዊሶም ክመልእ አለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ እንተዘይ ሐዊሶም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊስኩም ከምዝመለአኩም ተገይሩ ይሕሰብ
  • ናይ ወርሒ ሐምለ 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 22/1/2018 ዓም ክሳብ 13/1/2018 ዓም ብተካታታሊ መዓልቲታት ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቀበሌ 03 ኣብ ዉሽጢ ኣዳራሽ ሃፈቶም ቀፅሪ 19 ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ 500 እናድካፈልኩም ክሳብ 13/2/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ክትወስዱ ትክእሉ
  • እቲ ጨረታ ዕለት 13/2/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  • ጨረታ ሰነድ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት አማላኡ እንተተረኪቡ ብዘየለዉሉ እዉን እንተኮነ ንምክፋት ዝዓግት ነገር የለን
  • ናይ ጨረታ መከበሪ ፅሕፈት መሳርሒ 30000 ቅርሺ ፡ ኣቅሑት ፅሬት 5000 ቅርሺ ፡ ኣቀሑት ኤሌክትሮኒክስ 30000 ፡ ናይ ፈርኒቸር 15000 ቅርሺ ፡ ናይ መኪና ስፔር ፓርት 15000 ቅርሺ ፡ ናይ ሳይክል ስፔር ፓርት 5000 ቅርሺ ፡ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ፓርት 30000 ቅረሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  • ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀሎም በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  • ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ክታም ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ
  • ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
  • እቲ ትካል ተመሓይሹ ብዝወፀ መምርሒ ዕደጋ 05/2016 ዓም 20 ሚእተዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ