https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18007
ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ KFW ብዝረከቦ በጀት ንዝተፈላለዩ ከተማታት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ መካኒካል ዕድጊት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰንበት መስከረም 18, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 4, 2018 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:150000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:600
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 4, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

እታ ጨረት ዓይነት ንብረት ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ መካኒካል መዓቀኒ በዝሒ ኣብ BQ ብዘሎ ዝርዝር መሰረት መረከቢ ቦታ ቢሮ ማይን ኢነርጅን መክዘን

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ በቲ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም : ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት መቅረባይነተ ሰርተፊኬት : መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበርን : ናይ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቅት ምስክር : ናይ ወርሒ ሐምለ 2017 እሴት ታክስ ዲክለረሸን ዘቅርብ

2 ዝተዳለወ ዝርዝር መዓቀኒታት እዚ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ብድምፂ ወያና ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቢሮና ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ዋና ዕድጋ ቢሮ ቁፅሪ 11 ካብ 20/1/2018 ዘይምለስ 600 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሰድ ይከኣል

3 መከበሪ ጨረታ 150000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ባንኪ ዉሕስና ምስ ቴክነካል ሰነድ ጨረታ ከትሕዝ ዝክእል

4 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 4/2/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዎ ይክፈት

6 ተጫረቲ ሐደ ዋና ቴክነካልን ፋይናንሻልን ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ከምእዉን ሐደ ቅዳሕ ቴክነካልን ክልተ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ሰነድ ብምቅራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ብግልፂ ክቀርብ አለዎ

7 ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እነተረኪብዎ ነቲ ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 ጨረታ መክፈተን መዕፀዉን ኣብ ባዕል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዝክፈት ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0920326084 0914119936 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል