https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17965
ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንተምሃሮን ካልኦት ማሕበረሰብን ዝውዕል ምግብን ካብ ምግብ ወፃእ ንዝኮኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ መቀለ ንመጉዓዝ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 8, 2018 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 13, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 13, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ትራንስፖርት ግልጋሎት/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግ እታወት እናባዕሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ።

በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮን ካልኦት ማሕበረሰብን ዝውዕል ምግብን ካብ ምግብ ወፃእ ንዝኮኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ መቀለ ንመጉዓዝ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ተጫረቲ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 8/01/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 13/01/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል ብምምፃእ ክትወስዱ ትኸእሉ።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 13/01/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ይኸፈት ::