https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17943
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንUNEPA መቐለ፣ ዓዲግራትን ማይጨዉን ሴፍ ሃዉስ ግልጋሎት ዝዉዕል፡- ናይ ተግባር ስልጠና፣ ናይ ዓበይቲ ፐርሰናል አይተም፣ ናይ ሕክምና ናዉቲ፣ ናይ ዓበይቲ ምግቢ፣ ናይ ስልጠና ናዉቲ፣ ናይ ስነ ልቦና ኣቑሑት፣ ናይ ህፃናት ፐርሰናል ይተም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ሰለዝደለየት᎓᎓
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 5, 2018 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 13, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 13, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ጥዕና ተንከፍ ስልጠና/ ኦርጋኒዜሽን ኮንሳልታንሲይ/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ መድሓኒት ምህርቲ/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንUNEPA መቐለ፣ ዓዲግራትን ማይጨዉን ሴፍ ሃዉስ ግልጋሎት ዝዉዕል፡-

• ናይ ተግባር ስልጠና፣

• ናይ ዓበይቲ ፐርሰናል አይተም፣

• ናይ ሕክምና ናዉቲ፣

• ናይ ዓበይቲ ምግቢ፣

• ናይ ስልጠና ናዉቲ፣

• ናይ ስነ ልቦና ኣቑሑት፣

• ናይ ህፃናት ፐርሰናል ይተም

ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (TIN NO) ከቅርብ ዝክእ

3. ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ

7. ተጫራታይ ሳዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አታዊ ክገብር ዝክእል

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት  01/01/2018 ዓም ክሳብ 13/01/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 13/01/2017 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

11. ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኽእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ

ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ

መቐለ