https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17920
ማሕበር ኣክሰዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ሕትመታት ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጳጉሜን 3, 2017 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 9, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 5%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 9, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ኣክሰዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ሕትመታት ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ግልፂ ዘይኾነ ዝርዝር መብርሂ ኣብ ቤትፅሕፈት ብምሕታት ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ተ.ቁዝርዝር ዝቐርብ ንብረትመዐቀኒበዝሒ ነ/ዋጋመብርሂ
1ናይ ሰራሕተኛ ባጅ:- ብቅድሚት ሎጎ ፎቶ ሙሉእሽም ሓላፍነት ቁፅሪ ስልኪ ብድሕሪቱ ሎጎ ትካል ማህተም ዝተውሃበሉ ዕለትን ዝፈቐደን ኣካል ኣድራሻ ትካል ዝሓዘቁፅሪ01
2ባይንድ ንምግባር ካብ Page 1-50 51-100ቁፅሪ01
3ናይ ገንዘብ ቅብሊትን ክፍሊትን ማንዋል ተቐያያሪ ዕለት ወርሕን ዓ.ምን ዘለዎ ማህተምቁፅሪ01
4ካብ ሒሳብ ናብ ሒሳብ ዝውውር ፍሌሽ ማህተምቁፅሪ01
5ማህተም ቲተር ፍላሽቁፅሪ01
6ማህተም ክቢ ፍላሽቁፅሪ01
7ባነርካ/ሜ01
8ትካል መፋለጢ ብሮሸር ብ A4 Size 150 ግራም ኣርት ፔፐርቁፅሪ01
9ትካል መፋለጢ ብሮሸር ብ A/4 Sze 150 ግራም ኣርት ፔፐርቁፅሪ01
10ናይ ደቒ ተባዕትዮ ካራባታ ትካል ኣርማ ዘለዎቁፅሪ01
11ናይ ደቒ ኣንስትዮ ስካፕ (ከም ካራባታ ዓይነት) ትካል ኣርማ ዘለዎ ብሳምፕልቁፅሪ01
12ሓላፍነት ዝገልፅ ኣብ ጠረጽዛ ዝቅመጥ ብማይካ (Table sine Standard) ሽም ብወረቐት ዝስራሕ(ብሳምፕል)ቁፅሪ01
13ሰቲኬር ናይ ትካል መልእኸቲሜ/ካሬ01
14ኣጀንዳ ናይ ትካል ሎጎን መልእኸትን ዘለዎብቁፅሪ01
15ካላንደር ሕትመት ኣብ መንደቅ ዝልጠፍሜ/ካሬ01
16ቆቢዕ ብርቱካንማ ሕብሪ ናይ ትካል ኣርማ ዘለዎቁፅሪ01
17ሙሉእ ሸሚዝ ናይ ትካል ኣርማ ዘለዎቁፅሪ01
18ናይ ዋርድያታት ባጅ ኣብ ክዳኖም ዝልጠፍ(ብሳምፕል)ቁፅሪ01
19ናይ መስራታይ ኣክስዮን ሰርትፍኬት A4 250 ግቁፅሪ01
20ናይ ጨንፈር ብማይካ (ምድረ ግዕዝ ማይክሮ ፋይናንስ) ምስ ኣርማ ናይ ትካል ዘለዎ(ብሳምፕል)ቁፅሪ01

01. ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 150 (ሐደ ሚኢትን ሓምሳን) ብምኸፋል እናገዛእኹም ክትወስዱ ትኸእሉ

02. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ኣከራኸሪ ነገር እንትፍጠር ቤት ፅሕፈትና ማሕበር ኣክሰዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

03. እዙይ ናይ ዋጋ ዝርዝር መግለፂ እዚ ካብ ዕለት 08/09/2025 ኣ.ፈ ሰዓት 2:30 ክሳብ ዕለት 18/09/2025 ኣ.ፈ ሰዓት 10:00 ኣብ ዝተፈቐደ ቦታ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ዕለት 19/09/2025 ኣፈ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ-ግዕዝ ይኸፈት

04. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ዝትሳተፉ በቲ መስመር ዝወጸ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ መቅረባይነት፣ መፍለዩ ከፋሊ ግብሪ(TIN)፣ ቫት ተመዝገብቲ እንተኾይኖም ዝተመዝገብሉ ሰርቲፊኬት ወርሓዊ ቫት ዘእወጅሉ ኮፒ ከቅርቡ ዝኸእሉ ፡፡

05. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ካብ ዝተሓተተሉ ኣብ ውሽጢ 05 መዓልቲ ክተቅርቡዎ ዘይትኽእልዎ ንብረት ምውድዳር ኣይፍቀድን ፡፡

06. ዘሸነፍኩምዎ ንብረት ፅሬት እክሳብ ዝረጋገፅ ፉሉይ ምልክት ብምግባር ብመፅንሒ ሰነድ ንናይ ትካልና ሰራሕተኛ ክተረክቡ ይግባእ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ዓይነት ንብረት ኩሎም ዘየማልእ እንተኾይኑ ምውድዳር ኣይፍቐድን፣

07. ሰዓራይ ዝፍለጥ ብሕድሕድ ዋጋ ዘይኮነስ ናይቲ ጠቅላላ ንብረት ድምር ዝተሓተ ዋጋ ይኸውን ፣

08. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ከጭበርብር ዝመኮረ ወይ ዘጉላእለኣ ብመምርሒ ዕደጋ ክንሕዞ ምዃንና ክንፍልጥ ንደሊ።

09. መኸበሪ ጨረታ 5% መኸበሪ ውዕሊ 10% ብጥረገንዘብ ኣብ ትካልና ከተትሕዙ ዝኸእሉ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ክተቅርቡ በቲ መስመር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ተጫረቲ ክትወዳድሩ ንዕድም፡፡

10. ኣድራሻና መቐለ ከባቢ ሮማናት ኣደባበይ መስመር ጅብሩ ጥቓ ህንፃ ኣረጋዊ ሃይሉ ሰ/ቁፅሪ 0926930566 /0914261428