https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17904
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ንናይ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 29, 2017 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጳጉሜን 4, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጳጉሜን 4, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቁፅሪን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከተቅርቡ እትክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ መረዳእታን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዲክለረሽን መረዳእታ ፀብፃብ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከተቅርቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚርኩም ክሳብ ጰጎሜን 3/2017 ዓም ሰዓት 1100 ጥራሕ ዘይምለስ 300 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ትልምን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102 ምዉሳድ ትክእሉ

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንኤሌክትሪክ ኣቅሑት 50000 ቅርሺ ጥራሕ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

6 ሳንዱቅ ጨረታ ጰጉሜን 4/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት እነተዘይተረኪቦም ግን ንምክፋት ዝዓግቶ ነገረ የለን

7 ዝምላእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክክዉን ይግባእ

8 ኣብቲ ዝተመለአ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ እሴት ታክስ ከምዝተመለአ ተሓሳቢ ይግበር

9 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝቁፀር ኣብ ዉሽጢ 2 ተከታታሊ መዓልቲታት ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 203 ከረክብ ዝክእል

10 ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ማህትምን ክታምን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

11 ብተወሳኪ ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን በበይኑ ዓሺጉ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብር አለዎ

12 ካብዚ ዋፃኢ ዝቀርብ ዝኮነ ይኩን ሕቶ ቤት ፅሕፈትና ዘይተኣናግድ ምካኑ የፍልጥ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0979529106 / 0920761693