https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17863
ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣብ መቐለ ዋና ቢሮኡ ዝርከብ ፒቪሲ ኬዚንግ 6 : ብላይንድ በዝሒ 5271 ዕ ፒቪሲ ኬዚንግ ስክሪን በዝሒ 2803 አወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 22, 2017 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጳጉሜን 3, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:1000000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጳጉሜን 3, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን

2 ናይ ወርሒ ሰነ ወይድማ ሐምለ 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበሉ ፀብፃብ ከቅርብ ዝክእልን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎ

3 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና 1,000,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ጋራንት ከትሕዙ አለዎም

4 ተጫረቲ ናይቲ ንመሸጣ ዝቀረበ ንብረት ዝገዝእሉ ዋጋ ብግልፂ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከቅምጡ ይግባእ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ሙሉእ ብመሉእ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበር

5 ዘቅርብዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰን ዝወሐሰን ምካኑ ብግልፂ ክቅመጥ ይግባእ እንተዘይኮይኑ ቫት ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉሰድ

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 22/12/2017 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 3/13/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ረፋድ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ክፍሊ ዕድጋ ብምዉሳድ እቲ ንብረት እዉን ብኣካል ምርኣይ ይክኣል

7ተጫረቲ ኣብቲ ዘፈር መንግስታዊን ህዝባዊን ዝሳተፉ ምካኑ ዝገልፅ መረዳእታ እንተሃልዎም ኣብቲ ጨረታ ዝሐሸ ተመራፂ ይገብሮም

8 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ፖስታ ዋናን ቅድሕን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ሐደ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ እዚ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 3/13/2017 ዓም ንጉሆ ሰዓት 4:00 ከእትዉ ይግባእ

9 ሰዓራይ ዝፍለየሉ በጠቅላላ ድምር ዋጋ ናይ ክልቲኦም ዓይነት ፒቪስ ኪዝንግ እንትከዉን እቲ ዝቀረብ በዝሕ ዝሽየጥ ንብረት ጠቅሊሉ ናይ ምልዓል ግዴታ አለዎ

10 እቲ ጨረታ 3/13/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ኣብ ዋና ቢሮ መኣከቢ ኣዳራሽ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫራቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ዘይምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ናይ ጨረታ ሰዓራት እቲ ንብረት ከምዝሰዓረ ብደሳብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ ናብ ናይ ትካል ሒሳብ ቁፅሪ ኣታዊ ምስገበረ ናይ ባንኪ ቅብሊት ብምምፃእ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን እቲ ንብረት ካብ ዝርከበሉ ካብ መቐለ ዋና ቢሮ ከልዕል ይግባእ

12 ሰዓራይ ኣብቲ ዝተብሃለ ግዜ ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ክፍሊት ፈፂሙ እቲ ንብረት እነተዘይኣልዒሉ ትካልና ናይቲ ሰዓራይ ትካል ንጨረታ መከበሪ ብስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ጋራንቲ ዘትሓዞ ኣታዊ ተገይሩ እቲ ዝሰዓሮ ጨረታ ይስረዝ

13 በዝሒ ናብቲ ጨረታ ዘቀረበ ንብረት ካብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተቀመጠ በዝሒ ክዉስክን ክቅንስን ይክእል እዩ

14 ተጫራታይ እቲ በዝሒ እንተበዝሑን እንተኒኡሱን በቲ ዝሰዓሮ ዋጋ ናይ ምዉሳድ ግዴታ አለዎ

15 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342400316 / 0342401921