https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17857
ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዘገልግሉ ናዉቲ ስፖርት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 19, 2017 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰንበት ጳጉሜን 2, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50,000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰንበት ጳጉሜን 2, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/

ምልክታ ጨረታ

ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዘገልግሉ ናዉቲ ስፖርት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዝኮነ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘኒ ሮቃሕታት ተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትጫረቱ ይዕድም ።

1. ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ ስፖርት ዕጥቅን መሸጥን መቅረባይነት ዘለዎምን ናይ 2017ዓ/ም ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉን ከምኡዉን ብተወሳኪ እሴት ታክስ ምምዝጋብኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ ፡

2. ኣብ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ናይ ስፖርት ዕጥቅን መሳርሕን መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል።

3. 11 ወረቀት ምስክር ዘለኩም ክተቅርቡ ትክእሉ።

4. ተወዳደርቲ መክበሪ ቢድ ቦንድ ጨረታ ጋረንት ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ርPO ብሽም ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ብር 50,000/ሓምሳ ሽሕ ብር/ ኩሉ ዓይነት ጨረታ ከትሕዝ ዝክእል።

5. ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ዘይምለስ 100/ሓደ ሚኢቲ ብር/ብምክፋል ንኵሉ ዓይነት ጨረታ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ እፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ይወስዱ ከምኡዉን ጨረታ ዝፀንሓሉ ካብ 19/12/2017ዓ/ም ክሳብ 2/01/2018ዓ/ም ይከዉ'ን።

6. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናል ኮፒን ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንሸሎፕ ክሳብ ሰዓት 4:00 ዕለት 2/01/2018ዓ/ም ክተእትዉ ትክእሉ።

7. ስፖርት ክለብና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ እተሓለወ እዩ ።ከምኡዉን ክሳብ 20%ምዉሳክ ወይ ምንካይ ይክእል እዩ።

8. እቲ ጨረታ ዕለት 2/01/2018ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 2/01/2018ዓ/ም ሰዓት 4:30 ይክፈት።ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል እንተዘይ ቀሪቡ ቤት ዕዮና ናይ ጨረታ ፖስታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

9. ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምስተዓፀወ ዝቀርብ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን።

10. ካብቲ ክለብና ዝተወሃበኩም ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ቀይርካ ምምላእ ኣይከኣልን ከምኡዉን ሰነድ ጨረታ ስርዝድልዝ ንዘለዎን ግልፂ ኮይኑ ዘይንበብ ተቀባልነት የቡሉን። ኵሉ ዓይነት ንብረት ኦርጅናል ቀዳማይን ደረጃ ክከዉን ይግባእ ።እቲ ንብረት ተዓዲጉ ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ምስ ተረጋገፀ ኣታዊ ይከዉን።

11. ተጫራታይ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ቤት ፅ/ት ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ብኣካል ቐሪብካ ምሕታት ይከኣል

ኣድራሻና፦ ኣብ ቀፅሪ ምምሕዳር ከተማ መቀለ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ብድሕሪት።