https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17838
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕሉ ናይ ኮንስትራክሽን ማቴራያል ኣቑሑት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 14, 2017 ( ቅድሚ 7 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 16, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ነሓሰ 16, 2017 04:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ

ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም ፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (TIn Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ደረሰኝ ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቕርብ ዝኽእል፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እቲ ዝድለ ዓይነት ንብረት እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም ፡፡

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 16/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡