https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17777
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ማይ መመርመሪ መሳርሒ ኣቁሑት (Water Quality Testing Equipements) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ስለትደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 1, 2017 ( ቅድሚ 7 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ነሓሰ 20, 2017 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ነሓሰ 20, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ጨረታ ምልክታ

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ማይ መመርመሪ መሳርሒ ኣቁሑት (Water Quality Testing Equipements) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ስለትደሊ፡፡ ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቲን ቁፅሪ፣ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም።

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 01/12/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 20/12/2017 ዓ.ም እዮ ፡፡ እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/12/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5:00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ፡ ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 20/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ተረኪቡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።

6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም - ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Speeifeation) ምስራዝ ኣይካኣልን ።

9. እቲ መእዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።

10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡