https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17725
ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ንብረታት (ዘገልገሉ ናይ መኪና ጎማታትን ዝተፈላለዩ ብረታ ብረትን ፣ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሕት፣ፈርኒችርን) ንሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ብሓራጅ ክሸይጥ ስለ ዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 28, 2017 ( ቅድሚ 7 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 2, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ነሓሰ 2, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ዝውገድ ንብረት ፕሮፈርማ ቁፅሪ‐1 2017 ዓ/ም

❖ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ንብረታት (ዘገልገሉ ናይ መኪና ጎማታትን ዝተፈላለዩ ብረታ ብረትን ፣ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሕት፣ፈርኒችርን) ንሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ብሓራጅ ክሸይጥ ስለ ዝደሊ ኣብዚ ፕሮፈርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

❖ ናይ ዘመነ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ፣ ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት (Tin) ዘለኩም።

❖ ናይዚ ፕሮፈርማ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ናይ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ ዝግለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ መፂእኸም ናይቲ ዝስዓርክምዎ ንብረት ዋጋ ናብ ናይ ቢሮና ቢሮ ትራንስፖርት B-Account ቁፅሪ 1000538971697 ንግዲ ባንኪ ሒሳብ ኣታዊ ገይርኩም እቲ ንብረት ብናይ ባዕልኹም ትራንስፖርት ክትወስድዎ እትኽእሉ።

❖ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ 5,000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO፣ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ብጥረ ገንዘብ እንተኾይኑ ናብ ናይ ቢሮና ቢሮ ትራንስፖርት B-Account ቁፅሪ 1000538971697 ኣታዊ ምግባር ክተትሕዙ ትኽእሉ።

❖ ነጋዶ ናይ መወዳደሪ _ ደኩሜንትኹምን ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተም ወይ ድማ ሽምኩም ብምፅሓፍ ፌርማ ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብግልፂ ዝርአ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ/ ንቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 171 ካብ ዕለት 28/11/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

❖ እቲ ፕሮፈርማ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 02/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ኣብቲ ዝተገለፀ ቢሮ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ 171 ስለ ዝኸፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ።

❖ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ።

❖ እቲ ፕሮፈረርማ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ግዜ ፕርፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለት ን7ተ ንተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉዕ።

❖ ቢሮና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉውእዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251914222506/+251914330248 ደዊልኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር::