https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17721
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንኮሌጅና ሰራሕተኛታትን ሰልጠንትን ግልጋሎት ዝህብ ካፊቴሪያ/ቁርሲ ቤት/ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ብምክራይ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሓምለ 25, 2017 ( ቅድሚ 7 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 28, 2017 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሓምለ 29, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካፌን ሬስትራንትን/

ቑፅሪ ፅ/ፋ/ን/ምም/ር/1079/17

ዕለት 24/01/2017 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 14 /2017 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንኮሌጅና ሰራሕተኛታትን ሰልጠንትን ግልጋሎት ዝህብ ካፊቴሪያ/ቁርሲ ቤት/ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ብምክራይ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ/

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ክፈላይ ቁፅሪ /TIN/ ነምበር ዘለኩም።

3/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

4/ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ክቕርብ ዝከኣል።

5/ ናይ ጨረታ መኽበሪ ዋጋ ብር 5000/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ርቦ ክትሕዝ ዝኽእል።

6/ ናይ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ክትሕዝ ዝኽእል።

7/ ኣብ ጨረታ ስዓርራይ ዝኾነ ተራቲ ወዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ስራሕ ክጅምር ዝኸል።

8/ ጨረታ ዝሰዓረ ተራታይ ዉዕል ብምእሳር በቲ ዝኣተዎ ዉዕሊ መሰረት ን1 ዓመት ግልጋሎት ክህብ ፍቓደኛ ዝኾኑ።

9/ ስዓራይ ዝኸነ ተጫራቲ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ መዕሊ ከእስር ዝግብኦ ኾይኑ ኣብቲ ዝተጠቐሰ እዋን ውዕሊ ተዘይኣስሩ ግን ዘትሐዞ ናይ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ተወረሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግበር።

10/ ስዓራይ ዝኸነ ተጫራቲ ኣብ ዝርዝር ተቐሚጦም ዘለዉ ኩሎም ቀረባት ( ዓይነታት ምግብን መስተን) በቲ ዝስዓሮ ዋጋ ብዘይ ምንም ምትእጉጓልን ምሽርራፍን ከቕርብ ዝግደድ ኮይኑ ኣዚ እንተዘይገይሩ ግን ጭቡጥ መረዳእታ ብምሓዝ ብሕጊ ዝሕተትን ውዕሊ እነቋርፅ ይኸውን።

11/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ተርፎርማ ካብ ኮሌጅና ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ካብ ዕለት 24/11/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/11/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ትኽእለ ።

12/ እዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 28/11/2107 ዓም ልክዕ ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ሶለት  29/11/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ብሰሪ 08 ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰልኩም ዝተሓለወ እዩ።

13/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ ፕሮፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 7 ናይ ስራሕ መዓልታት ይኸዉን፡፡

15/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45 92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።