
ንደገ ኦዲተር/መርመርቲ ሒሳብ ስራሕቲ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ ይምልከት
ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ናይ ገንዘብ ዕቋር ልቓሕን ዳዕሮ ናይ2017ዓ/ም በጀት ዓመት ብናይ ደገ ኦዲተር ኦዲት ክነግብር ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ተጫረቲ ክትረቱ ንዕድም
1. ናይ 2016 ዓመታዊ ስራሕ ግብሪ ዝከፈለን ዝተሓደሰ ቲን ሰርቲፊኬት መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእልን ።
2. ናይ 2016 ዓመታዊ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ።
3. ቀዳማይ ብርኪ ብቅዓት መረጋገፂ ኦዲት ሰርቲፊኬት ዘቅርብ።
4. ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ናይ ኦዲት ስራሕ ልምዲ ዘለዎን ናይ ኦዲት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእልን።
5. ውዕሊ ካብ ዝኣስረሉ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታ ወዲኡ ከቅርብ ዝክእል።
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ወይ እስፔስፊኬሽን ናብ ቢሮ እናፃኩም ምውሳድ ትክእሉ
7. ማህተም ዝዓረፎን ብዝተዓሸገ ፖስታ ቚፅሪ ስልኪ ከቕርብ ዝክእል ናይ ጨርታ ሰነድ ዝወፀሉ ካብ 21-30/11/2017ዓ/ም ጀሚሩ ን 1ዐ ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከውን ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕሸገሉ ዕለት 26/11/2017ዓ/ም ልክዕ ስዓት 10:00 ኮይኑ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት 26/11/ 2017 ዓ/ም ሰዓት 10:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ኣብክፍለ ከተማ 1 ወያነ ጎደና ሓውዜን ንኣስታት 200 ሜትሮ ወሪድካ ጎኒቲቻት ካፌ ዝርከብ ህንፃ ሓጂ መንሱር ላይ ደብሪ ዝርከብ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ መሰረታዊ ማ/ሕ/ስ/ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቓሕን ዳዕሮ ይኽፈት ::
8. እቲ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዝሐሽ መማረፂ እንተረኪቡ ግና ብጭረታ ኣይግደድን/ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ዝርዝር ኦዲት ዝግበሩ ሰነዳት
| ተ/ቁ | ዝርዝር ሰነድ | መዐቀኒ | በዝሒ ፓደ | ኣቃፊ |
|---|---|---|---|---|
| 1 | CRV | ቁፅሪ | 10 | 11 |
| 2 | CPV | ቁፅሪ | 8 | 5 |
| 3 | JV | ቁፅሪ | 01 | |
| 4 | ካልኦት | ቁፅሪ |