https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17504
ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል 1. ሞባይል ሳምሲንግ ጋላክሲ ኤ-16 ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 12, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 16, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 16, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ፕሮፈርማ ቁፅሪ-10 2017 ዓ/ም

❖ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል 1. ሞባይል ሳምሲንግ ጋላክሲ ኤ-16 ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ኣብዚ ፕሮፈርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

* ናይ ዘመነ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ፣ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት (Tin) ዘለኩም ፣ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዘለኩም።

❖ ናይዚ ፕሮፈርማ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ናይ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ ዝግለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ 51 መዓልቲ ንብረት ክተቅርቡ እትኽእሉ።

❖ ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹምን ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብግልፂ ዝርአ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ/ ንቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 171 ካብ ዕለት 12/10/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

❖ እቲ ፕሮፈርማ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 16/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ኣብቲ ዝተገለፀ ቢሮ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ 171 ስለ ዝኸፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ።

❖ ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት ዋጋ /እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ቫት ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

ልዕሊ 20,000.00/ዒስራ ሽሕ ብር 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍፉ

❖ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ።

❖ እቲ ፕሮፈረርማ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ግዜ ፕርፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ን7ተ ንተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉዕ።

❖ ቢሮና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉውእዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251914222506/+251914759607 ደዊልኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር ፡፡

ኣብ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ትግራይ