https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1747
ዞባ ማእከል ማእከላይ ቤት ፍርዲ ንግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ገዛ ፅገና አቁሑት ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንብረት ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 3, 2008 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 15, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ኣክሱም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሰነ 15, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/

ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሕታት

1 ተጫራታይ ሰዓራይ እንተኮይኑ ዝሰዓሮ ንብረት አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ አጠናቂቁ ከቅርብ ይግባእ

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ ብጥረገንዘብ ከቅርብ አለዎ

3 ኣብቲ ጨረታ ዘሸነፈ ተጫረቲ ዉዕሊ ዝኣስር ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ኮይኑ ዉዕሊ ዝአስር ናይ ዝሰዓሮ 10% ዉዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ይከዉን

ይቅርታ ምቅራብ ዝከኣል ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ይከዉን

4 ተጫረቲ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግድን ተወሳኪ ታክስ ዝተመዝገብሉ ግብሪ አታዊ ዝገበርሉ መረዳእታን ቅዳሕ ብምግባር ከተሓሕዙ ይግባእ

5 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዝርዝር ሰነድ ካብ ዞባ ማእከል ማእከላይ ቤት ፍርዲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን አክሱም ብምዉሳድ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖሰታ ካብ 15 ሰነ 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ንግሆ ናብ ሳንዱቅ ከእትዉ ይግባእ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ 15 ሰነ 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ንግሆ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ 15 ሰነ 2008 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ሰዓት ይከዉን

7 ተጫራታይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዐዝያ የቅርብ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ንሕድሕድ ንብረት ክሳብ 25% ምዉሳክን ምንካይን ይክእል እዩ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝእበለፀ ሓበሬታ 0347753596 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል