https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17468
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ መኪና ስፔር ፓርት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 9, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 11, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሰነ 11, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ መኪና ስፔር ፓርት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ። ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ደረሰኝ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ከቕርብ ዝኸእል። ኣብ

ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 11/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ