https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17464
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 9, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 11, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሰነ 11, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት

ቑፅሪ ደ/ከ/ስ/ኦ/ምም/ን/032/2017 ዕለት-0/10/2017 ዓ/ም

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡

Nopart NumberDescriptionUnitQtyUnit Pricetotal PriceRemark
14X4mmElectrical cableRoll03
23X2.5mmElectrical cableRoll02
32X2.5mmElectrical cableRoll04
44Xx6mmElectrical cableRoll01
5220V-36 watt/sample/Floresent holder with tubeEa30

1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ፡ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 11/10/2017 ሰዓት 04፡00 ረፋድ

3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 5* መዓልቲ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ፡፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ከቕርብ ዘይከኣለ ተወዳዳሪይ ካብዚ ትካል ናይ ዕደጋ ስራሕቲ ከም ኣድላይነቱ ንዝተወሰነ ግዜ ይእገድ ።

4. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን(መቕረባይ) ኣድላይ ዝበሃል መረዳእታን ዘቕርብ፤

5. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ

6. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ዓዳግን ሸያጥን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ

7. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ

ክሓትት ይኸእል።

8. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።

9. እቲ ንብረት ናብ ዋ/ቤ/ፅ ኢ/ስ/መ/ት ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ

10. እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤