https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17453
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሰነ 7, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሰነ 17, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሰነ 17, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዘይሃሰሰ ናይ ዘበኑ ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ፡ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ ፡  ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገብን ግብሪ ምክፋሎም ዲክላራሱዩን ማለት እዉን ፀብፃብ ሒሳብ ናይ ወርሒ ሚያዝያ  ፡ ጉንበት 2017 ዓም ምስክር  ወረቀት ስፒኦን ብቅዳሕ ዘድሊ ሰነድ ኢርጅናልን ኮፒን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተጫረቲ ንበሰወከፈ ናይ መከበሪ ጨረታ ዉሕስና 20000 ብር ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ ስፒኦ ወይድማ ብሰርትፊይድ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕ ብኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ከቅርብ እንትከዉን ኣብቲ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሀተምን ክህልዎ ይግባእ

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 9 ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

6 ከምእዉን ተጫረቲ ብዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርምኦም ኣድራሾምን ከግልፅ አለዎም

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ 7/10/ 2017 ዓም  ክሳብ 17/10/2017 ዓም ኮይኑ17/10/ 2017 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4:30 ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 9 ይክፈት ይኩን ዳኣምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

8 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ መብርሂ ወይድማ ናይ ምምሕያሽ ሕቶ ተሊዎም ቅድም ዝተወሰነ ግዘ ገደብ ምእካሉ ብቁፅሪ ስልኪ 0344402801 ደዊሎም ክሓቱ ይክእሉ

9 ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ