https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17433
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓም ንቤት ፅሕፈት ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኮምፒተር ተንክፈ ተዛመድትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 6, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 20, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሰነ 20, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለኩምን ካብ በጀት ዓመት ዝሐደስክምዎ ወይ ድማ ግብሪ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን : ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእልን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዲክለሪሽን 2017 ዓም መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

3 ንሐደ ሰነድ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቀረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ 4/10/2017 ዓም ክስብ 20/10/2017 ዓም ዋናን ቅዳሕን በበይን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክኣል

4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት ክስብ 20/10/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዛይሃልዎም እዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት ይግምገምን

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ነብሰወከፈ ናይ ጨረታ መከብሪ ብር 10000 ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእለን ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስፒኦ ከትሕዝ አለዎ

6 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎ ስርዝ ድልዝ እንትኮይኑ ተቀባልነት የብሉን

7 ተጫረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ተወዳደደርቲ ኣብ ዉሽጠ ሰለሰተ መዓልቲ ብፅሑፍ ምስቀረበልኩም ቅሬታ እንዘይኣቅሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ቅሬታ ኣይንቅበልን

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረከበ ተጫረቲ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ እንተዛይኣሲሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን

9 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ከርከብ ይግባእ

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932326414  / 0914741258