https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17403
ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔርን ናሞተር ሳይክልን ኤሌክትሪካል ሳንፖሎ ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክንገዝእ ንደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሰነ 3, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 5, 2017 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሰነ 6, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/

ቁፅሪ ዕፉን/ምጪ/15/567 /2017 ዓ/ም 

ዕለት 03/10/2017 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 20/2017 ናይ መኪና ስፔርን ናሞተር ስፔርን ግዚኢት ይምልከት

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔርን ናሞተር ሳይክልን ኤሌክትሪካል ሳንፖሎ ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክንገዝእ ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም ፣ እዚ ፕሮፎርማ ድማ ኣብ ትልሚ ዘይተትሓዘን ግዜ ስለ ዘይህብን ስለ ዝኾነ ዝወፅኣ እዩ፡-

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2017 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን

3. ናይዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክተቅርቡን

4. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይርክትሮት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 03/10/2017 ዓ/ም ክሳብ 5/10/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኽእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅእ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።

5. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት ቀፂሉ ይክፈት ናይ ስራሕ መዓልቲ 6/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፣30 ናይ ንጉሆ ይከውን

6. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር/እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ቫት 75 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።

7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግልን ኮይኑ ምዃንኩም/ን ምስተ ፈለጠን ደብዳቤ ምስ በፅሓኩም ኣየቅርብን ምባል ተቀባልነት የብሉን ፡፡

8. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ ።