https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17380
መቐለ ህዝባዊ ቤት መድሓኒት መቐለ /ከነማ ፋርማሲ/ ናይ ሰብ ምድሓኒት ብፕሮፎርማ ኣዋዳዲሩ ንምዕደግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 2, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 5, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሰነ 5, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ መድሓኒት ምህርቲ/

ፕሮፎርማ ምልክታ

መቐለ ህዝባዊ ቤት መድሓኒት መቐለ /ከነማ ፋርማሲ/ ናይ ሰብ ምድሓኒት ብፕሮፎርማ ኣዋዳዲሩ ንምዕደግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብዚ ሰደቃ ተዘርዚሮም ዘለዎ ኣቅሑት ብምርኣይ ሕጋውያን ነጋደ ንክትወዳደሩ ይዕደም ።

ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ክተማልእዎ ዝግባእ ተወዳደርቲ

1. ናይዚ ዘመኑ ማለትም ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር ዝተመዝገቡ ምኾኖም መረዳእታ ፎቶኮፒ ከቅርቡ ዝኸእሉ።

2. እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 02/10/2017ዓ/ም ምውሳድ ዝካኣል ኾይኑ ዕለት 05/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 03:00 ተዓፅዩ ዕለት 05/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:30ኣብ ህዝባዊ ቤት መድሓኒት መቀለ ይኽፈት።

3. ተወዳደርቲ ዘሸንፍዎ ኣቁሑት ስዓርቲ ካብ ዝኾኑሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲታት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ኣታዊ ክገብሩ ዝኸእሉ።

4. ተወዳደርቲ ንዝሰዓርዎ ኣቁሑት ብእዋኑ እንተዘይ ኣቅሪቦም ኣብ ስራሕቲ ቤት መድሓኒት ንዝፍጠር ምትእጉጓል ብመምረሒ ዕደጋ ተሓታቲ ይኸውን ።

5. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ተወዳደርትን ቤት መድሓኒትናን ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል ።

6. ኣብ እተመልእዎ ሰነዳት ፖስታን ናይ ትካልኹም ማሕተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ፡፡

7. ቤት መድሓኒትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

መምርሒ: ዘዳለናዮ ፕሮፎርማ(ናይ ቤት መድሓኒትና ዋጋ መምልኢ ወፃኢ ኣብ ናይ ባዕልኻ ዋጋ መምልኢ ፕሮፎርማ ዋጋ ምምላእ ኣይፍቀድን።

09-14-76-88-16 ወይ 09-14-74-72-49 ይደውሉ።