https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17376
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሰለዋ ነቲ ወረዳ አገልግሎት ዝተፈላለዩ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጉንበት 30, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሰነ 10, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6000
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሰነ 10, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ኣብቲ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ 25/9/2017 ዓም ክሳብ 9/10/2017 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናስን ወረዳ ሰለዋ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ብመዉሳድ ክትጫረቱ ንዕድም

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ 2017 ዓም ናይ መቅረባይነት ዝተሐደሰ መረዳእታ ዘቅርብ

5 መከበሪ ጨረታ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት 6000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 ኣብ ዝተገበረ ጨረታ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ በዝሒ 20 ሚእታዊ ምዉሳከ ወይ ምቅናስ ከምዝከኣል እዩ

7 ናይ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ዝዕፀወሉ 10/10/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተረጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ