
ቁፅሪ/Ret ዕ/ፋ/ን/983
ዕለት/Date 28/09/2017
ን2 ጊዜ ዝወፀምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 10/2017 ዓ/ም
ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ናይ መኪና ስፔር ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
● በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም መረዳእታ ዘቕርቡ፣
● ናይዚ ዘመን መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
● ግብሪ ከፋላይ መፍለዪ ቁፅሪ (Tax Identification Number) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
● ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋጋ መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት 27/09/2017 ዓ.ም ክሳብ 29/09/2017 ዓ.ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ (ፎቕ) ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን) ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኸተእትዉ ንዕድም፡
● ዝቐርብ ደኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ተገይሩ ክተሓሓዝ ኣለዎ _ ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ዉድድር ወፃኢ ከምዝኸውን ነፍልጥ፡፡
● እቲ ትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ እንተንኣሰ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን፡፡
● ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኸፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ዓይነትን በዝሕን ኣቑሑት
| ተ.ቁ | ዝርዝር ንብረት | መፍለይ | መለክዒ | በዝሒ | ናይ ሐደ ዋጋ | መብርሂ | |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳን | ||||||
| 1 | ቴስትኒ ሙሉእ | 45460-39505 | ሴት | 2 | ፔጆ | ||
| 2 | ዲናሞ ዋይተር | 85110-35270 | ቁፅሪ | 1 | |||
| 2 | ዋተር ፓንፕ ናይ ፔጆ መኪና | 9671349780 | ቁፅሪ | 1 | |||
| 3 | ፍሮንት ኣክሴል ቤሪንግ | ቁፅሪ | 1 | ||||
| 4 | ጋድ ኪት ፍሮንት | ቁፅሪ | 1 | ||||
| 5 | ዋይፐር ብለድ | ቁፅሪ | 2 | ||||
| 6 | ዲናሞ ዋይተር | ||||||
ንተወሳኺ ሓበሬታ:- ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4ይ ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምም/ር) ብኣካል ብምቕራብ ወይ ብቁፅሪ ስልኪ 0342400009 ምሕታት ይከኣል።