https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17361
ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ መኪና ምንፃፍ (ታፕስሪ)ብፕሮፈርማ አዋዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 28, 2017 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 28, 2017 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ተሽከርካሪ/

ምልክታ ዋጋ መትረ/ፕሮፎርማ/ 29

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ መኪና ምንፃፍ (ታፕስሪ)ብፕሮፈርማ አዋዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕ ይደሊ::

በዚ መሰረት እሶም ዝሰዕቡ ረቋሒታት እተማልነጋዲ ክትሳተፉፋ ትኽእሉ/ላ፥

መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::

2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ::

3. ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ /1/ ዘለኩም::

4. ናይ መቕረባይነት ምሰክር ወረቐት ክቕርብ ዝክእል፡፡

5. ምሰ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ከትወዳደሩ ትኸእሉ ምኳንኩም እናገለፀና መወዳደሪኩም ሽም፡ኣድራሻን፤ ናይ ትካልኩም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፓሰታ ካብ ዕለት 26/09/2017ዓ/ም ክሳብ 28 /09/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 900 ክትቕርቡ ከተወዳደሩ ትክእሉ::

6. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት28/09/2017ዓ/ም ሰዓት 9.00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9.30 ኣብ ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቁፅሪ 08 ይከፈት::

7. ብእቲ ዝቐርብ ፅሬቱ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ እንተዘይኾይኑ ግን ተቐባልነት የብሉን ::

8. አብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂን ዘይኾነ ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን ::

9. ካብዚ ዝተሓተተ ንብረት/ሕትመት ወፃኢ ብባዕልኻ ዓይነት ቐይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም አይፍቀድን ::

10. እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቤት ዕት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኾይኑ ሰለ ዘግልግል እቲ ሰራሕ እረጋጊፆም ዋጋ ይምልኡ ::

11. ስለዚ ኣነ በዓል ትካል ነዚ ዝተወዳደርኩሉ ስዓራይ እንተኮይነ ነቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይምትእጉጓል ኦርጅናልን ፅሬቱ ዝሓለወን ዝኮነ ሰራሕ

ብስፈሰፊኬሽን መሰረት ንከቕርብ ሓላፍነት ወሲደ ተስማሚዔ ኣለኩ ::

12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎረማ ተራእዪ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጅሚሩ ክሳብ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ይኸውን::

13. ትካልና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዪ::

14. ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚን መፅዓኒ መራገፊ ወሲዶም ናብ ቤት ፅሕፈትና ብውዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ፡፡

15. ናይ ቤት ፅሕፈትና ቲን ቁፅሪ 0026444876 ከምዝኮነ ንሕብር::

16. እቲ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 08 ኣታዊ ትገበር::

17. ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና መፀእካ ምውሳድ ይከኣል::

18. ንተወሳኺ ሓብሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ 2 -03 44-41 65 70 ሓዱሽ ህንፃ ፊትንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ ትግራይ

ተ.ቁዓይነት ንብረትዝርዝር መግልፂመዕቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
1ሙሉእ ምንፃፍ ናይ መሬት 1ይ ደረጃ3L Pic ApSet1
2ሙሉእ ምንፃፍ ናይ መሬት 1ይ ደረጃፒጆset1
3ሙሉእ ምንፃፍ ናይ መሬት 1ይ ደረጃያሪስset1