https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17352
ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤለክትሮኒክስ ፅገና ብፕሮፈርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 28, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 28, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/

ዕለት/ቀን/ 26/09/2017ዓ/ም

ቑፅሪ /ቁጥር/ Ref, No: ዕድ/ፋይ/2662/17

ን2'ግዘ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤለክትሮኒክስ ፅገና ብፕሮፈርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ነዙይ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ካብ ዕለት 26/09/2017ዓ/ም ክሳብ 28/09/2017ዓ/ም ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብዝተኣሸገ ፓስታ ናብ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክ/ት ቢሮ ቁፅሪ 268ንክተቕርቡ ንዕድም፡

✓ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ዝተሓድሰ ንግዲ ፍቓድ ክተቅርቡ ትኸእሉን፣

✓ ቲን ቁፅሪ (TN No) ዘለዎን ከትሕዝ ዝኸእል፤

✓ ብመቅረባይነት ዝተመዘብኩም፤

✓ ዘቅርቦም መረዳእታ ነኒሕድ ሕድ ፎቶ ኮፒ ጌሩ ከቕርብ ዝኽእል፤

✓ እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ይቁፀር፤

✓ ዝተዳለወ ሰነድ ካብ ኮሚሽንና ብምውሳድ ብናትና መቅረቢ ዋጋ መሊኡ ከቅርብ ይግባእ፤

✓ ፓስታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/09/2017ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት 8፡30፤

✓ ፖስታ ዝኸፈተሉ ዕለት 28/09/2017ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት 9:00፤

✓ ሰዓረይ ዝኾነ መቕረባይ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኸእል፤

✓ ኮሚሽንና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ፤

✓ ፐሮፎርማ ኣብ ዝኸፈተሉ ሰዓትን ቦታን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ ዝኸእሉ ምዃኖም፤

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኮምፕሌክስ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 268 ንርከብ፤

ስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 44 17