
1 ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም : ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ክተቅርቡ እትክእሉ : ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘዉፀኦ መሰረት ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም ዝተሐደሰ መረዳእታ ብቅዳሕ መልክዕ ክተቅረቡ እትክእሉ
2 መከበሪ ዉሕስና ጨረታ 6000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ክተቅረቡ እትክእሉ
3 ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሜሽን ሲቨል ስርቪስ ክልል ትግራይ ፍሉይ ቦታ ወይዘር ህንፃ 09 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 26/9/2017 ዓም ክሳብ 10/10/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዕደግ ይከኣል
4 ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ቀወምቲን ሓለቅቲ ኣቅሑት 10/10/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተገለፀ ኣድራሻ ቤት ይክፈት
5 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን
6 ሰዓርቲ ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ነቲ ንብረት ኣታዊ ክገብሩ አለዎም
7 ቢሮና ካብ ዝዕድጎም ንብረት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
8 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344409426 / 0344402431