
1 በቲ ዘፈር ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ዝተሐደሰ መቅረባይነት : መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል
2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ
3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ብሽም ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ሒሳብ ቁፅሪ 1000538910318 ኣተዊ ብምግባር ካብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ሐባራዊ ኮምፕሊክስ ቀዳማይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 59 ካብ 22/9/276 ዓም ክሳብ 6/10/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኩም ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ዋና ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይክእሉ
4 ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ መሳርሒ ፅሕፈት 15000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ወድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
5 እቲ ጨረታ 10/10/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ኣብ ሐባራዊ ኮምፕሊክስ ቀዳማይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 59 ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም እዉን እቲ ጨረታ ካብ ምክፍት ኣይተኣጎጎልን
6 ሰዓራይ ጨረታ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሪ ድሕሪ ቅሬታ መቀበሊ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክፍርም መከበሪ ጨረታ ዘትሕዝ
7 ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ብዝወፀ ስፐስፊኬሽን ዋና ኣቅሑ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ኣታዊ ክግብር ዝክእል
7 ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሽምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ
8 ካብ ነብሰወከፍ ነብሰወከፍ ኣቅሓ ዝግዛእ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰለ ዘለዎ ምካኑ
9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ 0342400129