
1 ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ በቲ ዓወድ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 28/9/2017 ዓም ዘይምለሰ 200 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ንክትጫረቱ ንዕድም
2 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ 2017 ዓም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ መጋቢት ወይድማ ሚያዝያ 2017 ዓም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
5 ናይ መቅረባይነት 2017 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
6 መከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒን 5000 ብር : ጫቂት ደርሆን 5000 ብር : ንዘመናዊ ቆፎ 15000 ብር : ፈርኒቸር 15000 ብር ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ክተትሕዙ እትክእሉ
7 ተጫራታይ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ እቲ ንብረት ናብ ቢሮና ከቅርብ ዝክእል
8 ኣብቲ ዝተገበረ ጨረታ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ በዝሒ 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ከምዝከኣል
9 ናይ ንዘመናዊ ቆፎ 15000 ብር : ካልኦት ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑትን ዘሓዘ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 28/9/2017 ዓም 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
10 ናይ ጫቂት ደርሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 28/9/2017 ዓም 5:00 ተዓፅዩ ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
11 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 28/9/2017 ዓም 8:00 ተዓፅዩ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
12 ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0937007238 0914735380