https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17242
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ እምባስነይቲ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን: ኣቅሑት ፅሬትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 13, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 26, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50000
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጉንበት 26, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ግብሪ 2016 ዓም ዝከፈለን ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን : መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎ : ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎ : ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ናይ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ እዋኑ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ እዉን ብስፒኦ 50000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ ክፍሊ ሐደ ካብ 11/9/2017 ክሳብ 21/9/2017 ዓም ሰዓት 300 ቅድሚ ቀትሪ ምዉሳድ ይከኣል

4 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

5 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መራገፍን ብፅሬትን ቴክኒክን ኮሜቴን ምስተረጋገፀ ናብ ናይ ኣብያተ ዕዩ እቲ መክዝን ጠቅሊሉ ምስኣረከበ ክፍሊት ዝፍፀመሉ ምካኑ እዉን ተጫራታይ ክፈልጥ አለዎ

6 ሰዓራይ ተጫራታይ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ክትሕዝ ዝክእል ምካኑ እዉን ክፈልጥ አለዎ

7 ኣብ ዝርዝር ጨረታ ቅሬተ ኣለኒ ዝብል ተወዳዳሪያ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲታት ቅሬቱ ብፅሑፍ ከቅርብ አለዎ

8 ኣብ እዋን ጨረታ ነቲ ጨረታ ዘዛበዕን ከዛብዕ ዝፈተነን ብሕጊ ታሓታቲ ይከዉን

9 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዓይነት ንብረት ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራይ ክመልኡን : ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ኢሉእዉን ብዘይ ሻሚ ግልፂ ብዝኮነ ክፃሓፍ ከምዘለዎን ንሕብር ምስዚ ብተወሳኪ ንኩሎም ሰነዳት ብሽሚ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቀርብ አለዎ

10 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን ተጫራትይ ካብቲ ጨረታ ዓርሱ ከግልል ኣይክእልን

11 ሳንዱቅ ጨረታ 26/9/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ድሕቲ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ እዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ዘእተዉዎ ሰነድ ጨረታ ከይተከፈተ ዝምለስ ከምዘየለ ይግባእ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምኣድላይነቱ ዝዕደገ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ክቅንስን ዝክእል ኮይኑ ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ድማ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0914043626  / 0939638981