https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17237
ንካልኣይ ግዜ ባዕል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ዝወፀ ጨረታ ንበጀት 2017 ዓም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 12, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ተጫረቲ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈሉን ንግድ ፍቃድ ዘለዎምን ዝሐደሱን

2 ተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም መለለይ ወይድማ ቲን ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምካኖምን ናይ ለካቲት 2017 ዓም ዲክሊር ዝገበሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 መከበሪ ጨረታ 10000 ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ አለዎም

4 ንዝተዳለወ ናይ ጨረታ መምርሕን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንነብሰወከፍ ደኩመንት ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ባዕል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ካብ ቢሮ ቁፅሪ 4ን 5 ብምዉሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዋጋ ብምምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምድላዉ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ካብ 12/9/2107 ዓም ክሳብ 27/9/2017 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ብምእታዉ ክትወዳደሩ ትክእሉ ኢኩም

5 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ 27/9/2017 ዓም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ 27/9/2017 ዓም ሰዓት 5:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይክፈት

6 በዓል መዚ እቶት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ብተጫረቲ ሕድሕድ ዝምላ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዝሐወሰ ክክዉን አለዎ

8 አብ ዝቀርብ ሰነድ ነፍሰ ወከፍ ማሕተም ፊርማን ክግበረሉ አለዎ

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን መራገፍን ከቅርቡ ይግባእ

10 ተወዳደርሪ ናይ ንብረት ሞዴል ወይድማ ብራንድ ክጠቅሱ አለዎም

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344401875