https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17197
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ 2017 ዓ/ም ባጀት ዓመት ናይ ትካል ሰራሕተኛታት ደንቢ ክዳን (Uniform) ብቱን ጨርቂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጉንበት 9, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 21, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 21, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ 2017 ዓ/ም ባጀት ዓመት ናይ ትካል ሰራሕተኛታት ደንቢ ክዳን (Uniform) ብቱን ጨርቂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ትካላት በቲ ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ መቅረባይ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ዘ፣ ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም ምኡ እውን ናይ ወርሒ ሚያዝያ ዲክላረሽን ከቅርቡ ዝኸእሉን፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኽበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

3. ናይ ጨርቂ ሕብሪ፣ ፅሬትን መጠንን ዝምልከት ትካል ብዘቕርቦ ሳምፕልን ዓቐንን መሰረት ከቅርቡ ዝክእሉ።

4. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 09/09/20 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

5. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ቑፅሪ 2 ዝተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

6. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

7. ናይ ጨረታ ደኩመ ዝምልከት ፋይናንሻል ሓደ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ኣብ በበይኑ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዝባኑ ኦርጅናልን ቅዳሕን ዝብል ብዝንበብ ቀለም ክፀሓፈሉ ብምግባር ናይ ተጫራቲ ትካል ማህተም ከዓርፎ ይግባእ። እቲ ኦርጅናል ሰነድን ኮፒን ኣብ ሓደ ዓብይ ብፖስታ ብሽምዒ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 09/09/2017 ዓ.ም እስካብ ዕለት 21/09/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

8. ጨረታ ዕለት 21/09/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ አቲ ዝኣተወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፣

10. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 5' መዓልቲ ኣብ ዘለው 5' ተኸታታሊ መዓልትታት ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር ይግባእ።

11. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 10 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽ ኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ ኽበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

12. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይከኣል አዩ::