https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17162
ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ናይ ኤሌትሮኒክስ ኣቑሑ ብፕሮፎርማ ኣወዳደሩ ከዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 5, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 8, 2017 08:45 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 8, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ናይ ኤሌትሮኒክስ ኣቑሑ ማለት ፡-

ሪጋዓይነት ንብረትበዝሒመዐቀኒመግለፂንሓደ ዋጋ
ብርሳ
1Fluorescent Lamp /36W, 220V/100ቑፅሪኦርጅናል
2Starter /65W,220V/100ቑፅሪኦርጅናል
3Electrical Ballast/30/40W,220V/5ቑፅሪኦርጅናል
4Digital Clamp Meter01ቑፅሪኦርጅናል

ብ ፕሮፎርማ ኣወዳደሩ ከዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት 1-

• ምልክታ ፕሮፎርማ ዝምልከት ንግዲ ፍቐድ ዝተሓደሰን ናይ መቕረባይነት ሰርትፍኬትን ቲን ቑፅሪ ዘለዎ ምዃኑ ብግልፂ ዝንበብ መረዳእታ ከቀርብ ይግባእ ፡፡

• ሕድሕድ ተወዳዳራይ ፕሮፎርማ ዋጋ መምልኢ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ክወስድ ይግባእ

• ሕድሕድ ተወዳዳራይ ፕሮፎርማ ዶክሜንት ብፖስታ ብምዕሻግ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝወፃኣሉ ዕለት 05/09/ 2017ዓ.ም ክሳብ ዕለት 08/09/ 2017 ሰዓት 8፡00 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ 1ይ ደብሪ ዕደጋ ክፍሊ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይኸኣል በዚ እዋን ሰዓት 8፡45 ድማ ይዕሽግ ፡፡

• እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 08/09/ 2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡45 ተዓሽጉ በዚ ሰዓት 9:00 ዝኸፈት ይኸውን

• ፕሮፎርማ ሰዓራይ ሰዓራይ ተበሂሉ ካብዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 07+ ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ከረክብ ይግባእ

• እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ እንተግልግል ኦርጅናል ንብረት ዘየቅርብ ነጋዳይ ብምምርሒ ስርዕት ዕደጋ ብ/ክ/መ/ትግራይ ቑ4/2007 ዓ.ም መሰረት ሕጋዊ ስጉምቲ ክምዝውሰዶ ክፈልጥ ይግባእ፡፡

• እቲ ቤት ዕዮ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ ፤፤

• ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅርታት ስልኪ 0344403477/0344408299